4. ኣብ ኦፍፕራ (ቤት-ጽሕፈት ፈረንሳ ሐለዋ መሰል ስደተኛታትን ሃገር-ኣልቦን) ዝቐርብ ሕቶ ዑቕባ

Toutes les versions de cet article :

[ Dernier ajout : 29 mars 2019 ]

4-1 ኣቀራርባን ክይዲን ሕቶ-ዑቕባ ኣብ ኦፍፕራ

ድሕሪ ቖጸሮ ፕሬፌክቱር ድማ ናይ ኦፍፕራ (OFPRA) መሕተቲ ዑቕባ ቅጥኢ (ቅጥኢ) ብቋንቋ ፈረንሳ ክትሞልኡ ኣለኩም። ምፍራምን ዕለት ምጽሓፍን አይትረስዑ፣ ብቀጻላይ ድማ ብሓደራ ደብዳቤ ምብጸሑ መረጋገጺ ብዘለዎ ፖስታ ምስዳድ ወይከዓ ብግንባር ኣብ ኦፍፕራ ከይድኩም ምሃብ አለኩም፣ እዚ ምግባር ዝክኣል ግን ካብታ ናይ ዑቕባ ሓታታይ ወረቀት ዝተቀበልኩምላ ዕለት ጀሚሩ አብ ውሽጢ 21 መዓልቲ እዩ (ሰነድ n°2-1)

ኣገዳሲ ፣ ብሓደራ ደብዳቤ ምብጸሑ መረጋገጺ ብዘለዎ ፖስታ ናብ ኦፍፕራ ምስዳድ ይምረጽ ምኽንያቱ ዝለኣኩም ምኻንኩም መረጋገጺ ክትትሕዙ ስለዝትኽእሉ እዩ ፡፡ ከምዚ እንተጌርኩም እሞ ኦፍፕራ መልሲ ደብዳበ ኣብ ምስዳድ ብዙሕ እንተደንጉዩ እቲ ብሓደራ ደብዳቤ ብፖስታ ምስዳድኩም ዘርኢ መረጋገጺ ሒዝኩም ናብ ፕሬፌክቱር ብምቕራብ (መንበሪ) ወረቐትኩም ተሐድሱ ትኽእሉ ኢኹም ፡፡

እቲ ቅጥኢ ምስ ናይ ቐረባ ግዜ ኽልተ ፎቶግራፍ ፡ ዑቕባ ሕቶ ዘቕረብኩም ምኻንኩም ዘረጋግጽ ወረቀት ፡ ከምኡው’ን ንዝሓብኩምዎ ውልቂ ታሪኩም መረዳእታ ክኾኑ ዝኽእሉ ዝኾነ ዓይነት ወረቀት (ትሕት ዝብል ሬኤ) ፣ ፓስፖርት እንትሓልዩኩም እቲ ኦሪጂናል ኣታሒዝኩም ስደዱ ፡፡

መጠንቀቅታ፣ ናይ መዝገብኩም ኩሎም ሰነዳት ፎቶ ኮፒ ክትሕዙ ናይ ግድን እዩ (ናይ ኦፍፕራ ቅጥኢ፣ ሕቶ ንምቕራብ ዝጸሓፍኩምዎ ታሪክ፣ ዝተፈላለዩ ዶኩመንት)

ኦፍፕራ ዝተልኣኹሉ ኹሎም ዝተማልኡ ገይሩ እንት ወሲዲዎም « ሕቶ ዑቕባ ዝተመዝገበ » ምኻኑ መረጋገጺ ደብዳቤ ክሰደልኩም እዩ ፡፡

1- ናይ ኦፍፕራ ቅጥኢ ዝሓዞ ዝተፈላልዩ ክፋላት፦

  • ክፍሊ ኹኔታ ሲቪል ፡ ናትኹም ኩኔታ ሲቪል ብዝምልከት ብስርዓት ኩሉ ክትመልእዎ አለኩም። ምኽንያቱ ጌጋ እንተተረኺቡ ንዕዑ ንምእራም ናብቲ ዓቃበ-ሕጊ ሪፑብሊክ ዝቐረበ ሕቶ መልሲ ንምርካብ ነዊሕ ጊዜ እዩ ክወስድ።
  • ክፍሊ አባላት ሰድራ ፡ እዚ ክፍል’ዚ ብጣዕሚ አንዳሊ እዩ። አብ ፈረንሳይ ዘአተኩምዎ በይንኹም እንተድኣ ኸይኑ እሞ ብቀጻላይ አባላት ስድራኹም ክመጹልኩም ድልየት እንተሓለየኩም (ሰነድ n°9)
  • ክፍሊ ምንቅስቃሳት ጉዑዞ ፡ አብ ፓዳ (PADA) ዝተመዘገበ ሐበሬታ አብዚ መሊስኩም ተጠቐምሉ፣ ብፍላይ ናብ ሃገር ፈረንሳ ዝኣተኹምሉ ዕለት በጣዕሚ ጠቓሚ እዩ።
  • ዝትዛረቡዎ ቋንቋ ክትገልጹ አለኩም ምኝክንያቱ ኦፍፕራ ንቃለ-መጠይቕ ክጽውዓኩም ከሎ ኣስተርጓማይ ንኽምድበለኩም ይሕግዝ እዩ። ባዕልኹም ጽቡቕ ገይርኩም ዘይትዛረብዎ ቋንቋ አይትጥቀሱ።
  • ክፍሊ ታሪኩም (Récit) ፡ እዚ ክፋል እዚ እቲ ብጣዕሚ ጠቓሚ ዝኾነ እዩ ምኽንያቱ ድማ ሕቶ ዑቕባ ማልት ናይ ሓላዋ ሕቶ (protection) ስለዝኾነ መልሲ ዝረክብ ደማ ካብ እቶም ዋና አገዳስቲ ነገራት ተበጊሱ እዩ ማለት እቲ ዘጓነፈኩም ጸገምን ናብ ሃገርኩም እንተድኣ ተመሊስኩም ዝትፈርሕዎ ዋና ነገር እንታይ ምኻኑን ዝሓዘ እዩ። (ትሕትት ኢሎ ዘሎ ረኣዩ)

እቲ ናይ መረዳኣታን ቅጥኢ (ፎርም) አብ ዝኾነ እዋን ክትምልእዎ ትኽአሉ ኢኹም (ክሳብ እቲ ዕለት ናይቲ ቃለ-መጠይቕ)፣ ኹሎም ንሕቶኹም ክሕግዙ ዝኽእሉ ዶኩመንት ኾነ ተዋሳኻይ መረዳእታ ናብ ኦፍፕራ ክትሰዱ አለኩም ብሓደራ (ሪኮማንዴ) ብደብዳቤ ምስ በጽሑኒ ዝበል መረጋገጺ መልሲ ዝሓትት ።

መተሓሳሰቢ ፡ 1- ናይ አድራሻ ለውጢ እንተጌርኩም ምብጸሑ መረጋገጺ ብዘለዎ ሓደራ ደብዳቤ ብፖስታ ብምስዳድ ናይ ግድን ንኦፍፕራ ክተፍልጡ ኣለኩም 

2. ናይ ዑቕባ ሕቶ በኦፍፕራ ዝዕጸየሉ ኩነታት

  • ብዘይ «ብቑዕ ምኽንያት» እቲ ቅጥኢ መሕተቲ ዑቕባ ናብ ኦፍፕራ በተን ዝተውሃባ 21 መዓልቲ እንተ ዘይሰደድኩም ብተወሳኪ ኣብ ውሽጢ ሽሞንተ መዓልቲ እቲ ኩነታት ንክትመዓራርይዎ/ንክትልእክዎ/ ኦፍፕራ ክሓተኩም እዩ። እቲ ንካልኣይ ግዜ ዝውሃብ ግዜ ገደብ እንተኣሕሊፍኩም ግን ኦፍፕራ እቲ ዘቕረብኩምዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ ንኽዕጾ ክግበር እዩ፡፡ «ብቑዕ ምኽንያት» ዝበሃል ንኣብነት አድራሻ ለውጢ ወይ ኣብዪ ጸገም ሕክምና ዝመሳሰሉ ።
  • ኦፍፕራ ናይ ዑቕባ ሕቶኹም ክዕጾ ዝገብረሉ ኻሊእ ምኽንያት ድማ እቶም ውልቃዊ ታሪኩም መንነትኩም ዜግነትኩም ዝምልከቱ መረዳእታታት ንምሃብ ፍቃደጃ ዘይኾንኩም ወይ ከዓ ብዝተወሰነ ግዜ ኣድራሻኹም ከይኣፍለጥኩም እንተተሪፍኩም እዩ ፡፡

እቲ ሕቶኩም ንክዕጾ ውሳኔ ምስተምሓላለፈ ኣብ ዘሎ 9 ወርሒ ውሽጢ መዝገብኩም ከም ብሓድሽ ንኽረአ ምሕታት ትኽእሉ ኢኩም ፡፡

3. ኦፍፕራ ናይ ዑቕባ ሕቶኩም ተቐባሊነት ዘይብሉ ክብሎ ዝኽእል

  • ናይ ስደተኛነት መሰል ብኻሊዕ ኣባል ማሕበር ኣውሮፓ ወይ ሳልሳይ ወገን ሓገር ተዋሂቡኩም እንተኾይኑ (እዚ ግን እቲ ዝትውሃበ ሐለዋ (protection) ሓቀኛን ተመሊስኩም ክቕበሉኹም ዝኽእሉን ክኾውን ኣለዎ )
  • እንተደኣ ቅድም ክብል ዘይተርኣየ ሓዱሽ ነገር ከይኣቕረብኩም ንካልኣይ ግዜ መዝገብኩም ንክኽፈት (réexamen) ሓቲትኩም ኮይንኩም፣ ክቕርብ ዝግቦኦ ሓዱሽ ነገር ብጣዕሚ ዘእምን ኾይኑ ኣብ ሃገርኩም ክበጽሖኩም ዝክእል « ውልቃዊ ትፈርሕዎ » ነገር ብግቡእ ዘረድእ ክከውን አለዎ፣ እዚ ሓዱሽ ነገር ድማ እቲ ጉዳይኩም ቅድም ክብል ኣብ ሃገራዊ ቤት ፍርዲ መሰል ዑቕባ (CNDA) ድሕሪ ምርኣዩ ዝተክስተ ክከውን ይግባእ (ሰነድ 5) እንተዘይኾይኑ ግን በቲ ግዜ ስለ እቲ ጉዳይ ዝትፈልጥዎ ነገር ከምዘይነበረ ክተእምኑ አለኩም ፡፡

4. ኦፍፕራ እቲ ሕቶኩም ብቕልጡፍ ኣቕዲሙ ክሪኦ ክገብር ይኽእል (procédure accélérée)

ናይ ዑቕባ ሕቶ ቅጥኢ ምስተቀበለ እቲ ሕቶ ኣቐዲሙ ክረአ ክግበር ይኽእል እዩ ብዞም ዝስዕቡ ኹኔታት ፣

  • « ብምትላል » ዝቐረቡ ናይ ሓሶት መግለጺ ናይ ሓሶት ሰነድ (ዶኩመንት) …
  • እቲ ዝቐረበ ናይ ሕቶ ጹሑፍ ዘየእምን ሃሳብ ዝሓዘ እንተኾይኑ (ድኹም ብቁዕ ምኽንያት ዘይብሉ)
  • እቶም ዝቐረቡ ሓሳባት ንጹርን ጭቡጥን ኩነታታት ዘይገልጹ ባእሉ ንባዕሉ ዝጋጮ ሓሳብ ዝሓዙ እንተኽይኖም
    በዚ ኩኔታታት ዝርከብ ሕቶ አብ 15 መዓልቲ ውሽጢ ንኽረአ ይግበር

ኦፍፕራ ሕቶኩም ናይ ግድን ብቐጥታ ብቕልጡፍ ኣቕዲሙ ክሪኦ ክገበር ይክእል 

  • ዝመጻእኩምሉ « ሃገር ዝተረጋገጸ » እንተኾይኑ
  • ንኻልአይ ግዜ ንኽረአ ዘቕረብኩምዎ ሕቶ ተቐባሊነት ዘይብሉ እንተኾይኑ (ንጹር ሓሳብ ዘይብሉ) እዚኦም ዝተጠቀሱ ኩነታት ከጋጥሙ ከለው እቲ ሓላፊ ፕረፌክቱር ሕቶኩም ብቕልጡፍ ኣቕዲሙ ክሪኦ ክገበር ይክእል እዩ (ሰነድ n°2-1)

እዞም ዝተወሳሰቡ ሓሳባት እዚኦም ብዝምልከት ናይ ሕቶ ዑቕባ መምርሒ ሰነድ ዝብል ብምምሕዳር ዝተዳለወ (ብብዙሕ ቋንቋ) ተመልከት ፡፡

4-2 ዑቕባ ንምሕታት ዝቐርብ ውልቀ ታሪክ (récit)

ዝተቕርብዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ ጽሑፍ ንጹር ብዝኾነ መንገዲ እዘም ዝስዕቡ ይጥቀስ

  • መን ምኳንኩም
  • ካበይ ከምዝመጻእኩም
  • ካብ ሃገርኩም ሓደ ምኩም ሓላዎ ናይ ኻሊኢ ሃገር ንኽትሓቱ ስለምንታይ ከምዝትገደድኹምን
    ብተወሳኻይ ድማ ናብ ሃገርኩም እንተተመሊስኩም ዘፍረሕኩም ነገር እንታይ ምኻኑ፣ እንድሕር ናብ ሃገርኩም ተሰጉግኩም ንሕይወትኩም ወይም ንድሕንነትኩም ዘስግእ ነገር እንታይ ክኸውን ከምዝኸእል ግለጹ።

አብ ሃገርኩም ዘሎ ጸገም-ሰላም ወይከዓ ኹናት ምግላጽ ጥራሕ እኹል አይክኸውንን እዩ ግን አብዚ ጸገም ውሽጢ ንስኹም ኣብባዕልኹም ዝብጽሐ ጸገም ክትትርኹ አለኩም። ነቲ ዝጸሓፍኩምዎ ዘንብብ ሰብ ብዘኣእምኖ ኹኔታ ዝብጽሐኩም ጸገምን በደልን፣ አብ አባላት ስድራኩምን አዝማድኩምን ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ቃልሲ ብጾትኩም ዝበጽሐም ሞት ኾነ ካሊእ ግፍኢ፣ ኣባኹም ባዕልኹም ዝብጽሓኩም ምፍርራሕ ዝመሳሰሉ ክቕርቡ አለዋም።

መዘካከሪ ፣ ቋንቋ ፈረንሳ እንተዘይትዛረቡ ኾይንኩም ዝጸሓፍኩምዎ ውልቀ-ታሪኩም ናብ ፈረንሳይኛ ዝትርጉመልኩም ሰብ ክትረኽቡ አለኩም ፡፡ እዚ ዝተተርጎም ጽሑፍ ብቕዓት ዝጎደሎ መሲሉ እንተተሰሚዑኩም ግን እዚ ኹኔታ ኣብቲ ጽሑፍኩም ግለጽዎ፡፡

ኣብ ኦፍፕራ ኣብ ዝግበር ቃለ-መጠይቕን ኣብ ቤት ፍርዲ ይግባኝ (CNDA) ንምክያድን ፈረንሳይኛ ቋንቋ ንዘይዛረቡ ሰባት ፈረንሳ ኣስተርጉዋሚ ትምድበልኩም እያ፣ ብጽሑፍ ንዝተቕርብዎ ሕቶ ግን ተርጉዋማይ ኣይትምድብን ፡፡

1. መን ኢኹም ? መንነትኩም ክምዝስዕብ ግለጹ ፡

  • ሙሉእ ሽም፡ ዜግነት፡ ዕለትን ቦታን ትውልዲ
  • ካበይ ሃገር መጺኩም ብፍላይ ድማ ካብየናይ ዞባ/ገጠር ወይከዓ ካብ አየናይ ከተማ ናቱ ሽምን ገዛውትን (ኦፍፕራ በዚ ጉዳይ’ዚ ሕቶታት ከቅርበልኩም እዩ፡ ስለምንታይ በትክክል ካብቲ ዝጠቀስኩምዎ ስፍራ ዝመጻእኹም ምዃንኩም ንምርግጋጽ እዩ)
  • ስለ ወለድኹም ከምኡውን ስለ አሕዋትኩም ኣሓትኩም እንመን ምኻኖም (በዚ እዋን ብከመይ ዓይነት ኩነታ ከም ዝርከቡ ግለጹ፣ ሽም፡ ዕድመ፡ መንበሪ ቦታ፡ ስራሕ ወይ ሞያ፡ ኩነታት ሓዳሮም)
  • ከምኡውን ካብ አየናይ ብሔር ከምዝትውለዱ፣ ካብ አየናይ ሃይማኖት ወይ ኣባል ንኡስ ዓሌት ብምኻንኩም ምኽንያት ዝበጽሐኩም መድልዎ ….
  • ናይ ባዕልኩም ቤተሰባዊ ኹኔታ፣ ምርዑው ወይ ፓክስ (pacs) ወይ ድማ ዘይተመርዓኩም ምኻንኩም ፡ ደቅኹም (ዖታ ፡ ዕድመ)፣ ከምኡውን ኣባላት ስድራኩም ኣብ ፈረንሳይ እንተሓልዮም ወይ ኣብ ሃገርኩም እንተተሪፎም ወይከዓ ዝርከብዎ ቦታ ዘይፍለጥ እንተኾይኑ

2. ናይ ውልቂ ታሪኩም ከመይ ይመስል

  • አበይን ከመይን ኣሕሊፍኩም ጊዜ ንእስነትኩም
  • ቤት ትምህርቲን ክትትል ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርትን ዝተምሓርክምዎ ሙያን
  • አብ ሃገርኩም ዝነበረኩም ምንቅስቃስ ስራሕ፣ ዝነበረ መጠን እቶትን ካበይ ትረክብዎ ከምዝነበረን (ንግዲ ሕርሻ እደ-ጥበባዊ ወይ ኻሊእ ሞያ ….)
  • ዝተፈላለዩ ትነብረሎም ዝነበሩ ቦታታት ስለምንታይ ምኽንያት ከምዝቀየርኩምን
  • ውልቃዊን ስድራዊን ሕይወትኩም ከመይ ከምዝለዋወጥ ዝነበረ፣ ሞያዊ ምንቅስቃሳትኩም፣ ምስ በዓል ቤትካ(ኪ) ከመይ ከምዝተራከብኩም፣ ናይ ደቅኩም ልደት፡ ሕማም …
  • ካልኦት ተወሰክቲ ምንቅስቃሳት፣ ኣባልነት ፓርቲ ፓለቲካ፣ ማሕበር ሰራሕተኛ፣ ሃይማኖታዊ እምነታዊ፣ ኣባልነት ማሕበራዊን ቃልሳዊን ምንቅስቃሳት … (ከመይ ዓይነት ከምዝነበረ፡ ምስመን፡ ንኽንደይ ግዜ ዝመሳሰሉ ኣብርሁ)
  • ኣብቲ ብጽሑፍ ዘቕረብኩምዎ ታሪኩም መሰረት መድልዎን ዓፈናን በጺሑኩም እንተነይሩሞ እዚ’ውን ካብዘለኩም ዓይነት ስራሕ፡ ጾታዊ ድልየት፡ መቦቆል ብሔር ወይም ተቓዉሞ ናይ ብዘይድሌት ኣገዲድካ ዝፍጸም መርዓ ተበጊሱ ዝተፈጸመ እንተነይሩ
መጠንቀቕታ ፣ እንድሕር ኣብ ዕጡቕ ተዋጋኢ ሰራዊት ተሳቲፍኩም እሞ ገበን ፈጺምኩም እንተነይርኩም ፍራንሳ ናይ ስደተኛ መሰል ሕቶኹም ትነጽጎ እያ

3. ካብ ሃገር ንክትወጽእ ዝገበረካ ዘጋጠመ ሓደጋ ወይ ሕማቅ ኩነታታት

  • ዝበጽሐካ ምፍርራሕ (ብመን ? መዓዝ ? ከመይ ?)
  • ሙያዊ ወይ ዘይሙያዊ ስራሕ ብግቡእ ንኽይተካይድ ዘጋነፈ ዕንቅፋት
  • ምድንጋር ገንዘብ፣ ውርሲ ንብረትካ፣ ስርቂ ሃብቲ፣ ጥቅሚ ንምውሳድ ምፍርራሕ (chantage)፣ ዝተፈላለዩ ግፍዒታት
  • መጥቃዕቲ፣ ምፍራስ ንብረት፣ ካብ ገዛ ምስጋግ
  • ማእሰርቲ፡ ሓይሊ ዘለዎ ምርመራ፡ ማህረምቲ፡ ዓምጺካ ምድፋር (ዕለቱን ኩኔታታቱን እንመን ከምዝፈጸምዎ …)
  • ከይዲ ቤት ፍርዲ፣ ውሳነን ጻንሒት ቤት ማእስርቲን (ዕለቱ፣ ስፍራኡን ኩኔታታቱን፣ ቢንመን ከምዝተፈጸመ …)
  • ማእሰርቲ፣ አካላዊ ጉድኣት፣ ጾታዊ ዓመጽ (ምድፋር) ወይ ዝተቐተሉ ወለዲ፣ መሓዙት፣ ብጾት፣ ካልአት አባላት ናይ ሓባር ጋንታ
  • ተገደድካ ስደት
  • ጅምላዊ ቅትለት (massacre), ህልቀት ሰብ (génocide)
ጠቓሚ መተሓሳሰቢ ፣ እቲ ዘሕለፈኩምዎ ታሪኽን ገጠመን ብዝተኽአለኩም መጠን ኣብሪህኩም ግለጹ፣ ዝበጽኸኩም በደል ቢንመን ከምዝተፈጸመ፡ ብኸመይ መልክዕ ከምዝተካየደ፡ ብምእንታይ ዓይነት ከምዝትኸላከልኩምዎን ዝሬኸብኩምዎ ሓገዝን ብዝርዝር አቕርብዎ … …
  • ናይ ሓገርኩም ሰበ-ስልጣን ሓገዝን ሓለዋን ንምርካብ ዝገበርኩምዎ ምንቅስቃስ እንታይ ነይሩ (ዝቐረብ ክሲ፡ ዘመልከትኩምዎ ቤት-ፍርዲ፣ ናብ ሓለፍቲ ምምሕዳር ዝጸሓፍኩምዎ ወይ ድማ ብግንባር ብምቅራብ ዝገበርኩምዎ ፈተነ)
ሓበሬታ ፣ ናይ ስነ-አእምሮዊ ወይ ከዓ ኣካላዊ በሰላ እንተሃልዩ ናይ ሕክምና መረዳእታ ክትተቕረቡ ኣለኩም ዋላኳ ብቐረባ ዝተፈጸመ እንተኾነ

4. ክሳብ ፈረንሳይ ምብጻሕ ጉዑዞ

  • ካብ ሃገር ንምውጻእ ዝወሰንካ አብ አየናይ እዋን ነይሩ
  • እቲ ጉዑዞ አቐዲምካ ከመይ ኣዳሊውካዮ (ዝተትሓዘ መጠን ገንዘብ፡ ዝረኸብካዩ ሐገዝ፡ ምስ ደላላ ዝገብርካዮ ርክብ …)
  • እቲ ዑቕባ ዝተሓተተሉ ሓገር ከመይ መሪጻካዮ (ስለምንታይ ?)
  • እቶም ዝሓለፈካሎም ቦታታት ዝርዝርን ዕለቱን፡ ዝተፈላለዩ ክፍሊ እቲ ጉዑዞ፡ ዝተጠቐምኻሉ ዓይነት ትራንስፖርት፡ ዝወጸ ክፍሊት

5. ሎሚ ናብ ሃገርካ እንተተመለሲካ ኣባኻ ክበጽሐካ ዝኸእል እንታይ እዩ

  • ካብ ከባቢኻ ካብ ዝትወጽእ ንነጀው እንታይ ለውጢታት ተገይሮም አለዉ
  • ቅድም ክብል በጺሑካ ዝነበረ በደል ክድገም ይኸእል እዩ ዶ’ትብል? በጺሑካ ዝነበረ ምፍርራሕ ክትግበር ይኸእል እዩ ዶ’ትብል?
  • ኣብቲ ናይ ሕቶ ጽሑፍካ ዝጠቐስካዮ እሞ ቅድሚ ምውጻእካ ወይም ብድሕሪኡ ኣብ ወለዲካ ወይ ኣዝማድካ በጺሑ ዝነበረ ስቓይ ወይ ሞት ኣባካ ክድገም ይኸእል እዩ ዝብል ፍርሒ ኣለካ’ዶ?
  • ኣብ ሓገርካ ኣብ ካሊእ ከተማ ወይ ካሊእ ክፋል እቲ ሓገር ኬድካ ብዘይ ፍርሒ ውሕስና ብዘለዎ ስለምንታይ ክትነብር ዘይከኣልካ ?

6. ምስቲ ብጽሑፍ ዝቐርብ ሕቶ ተታሒዞም ዝኣትዉ መርትዖ (መረጋገጺ)
ምስቲ ዝተቕርብዎ ጹሑፍ ሓገዝቲ ዝኾኑ መርትዖታት /መረጋግጺ/ አተሓሒዝኩም ናይ ምቅራብ ግዴታ የብልኩምን፣ እቲ ዋና ኣገዳሲ ነገር እቲ ብጽሑፍ ዝቐርብ ሕቶ ዑቕባ ንጹር : ግልጺ : ዘይገራጨው ኾይኑ ናይ ኦፍፕራ ሓለፍቲ ከእምን ዝኽእል ክከውን አለዎ

ኾይኑ ግና ንዝትሕብዎ ሓበሬታ ሓገዝ ምእንታን ክከውን ዘለኩም ሰነድ እንተቅሪብኩም ተአማኒነትኩም ልዕል ከብሎ ይኽእል (ናይ ጹሑፍ ምስክርነት ናይ ምምህዳራዊ ዝተፈላለዩ ወረቐታታት ናይ ጋዜጣ ጽሑፋት ናይ ሕክምና ምስክር ወረቀት)

መጠንቀቕታ ፣ ኦርጅናል ዝኮኑ ዶክመንት አተሓሒዝኩም ኣይተቕርቡ (ፎቶ ኮፒ ጥራይ) እቶም ኦርጅናል እንተሃሊዮም ኣብቲ ዕለት ቃለ-መጠይቕ ሒዝኩም ቕረቡ

4-3. ምስ ናይ ኦፍፕራ (OFPRA) ኦፊሰር ሓለዋ ዑቕባ ዝግበር ቃለ-መጠይቕ

1. ኣብ ኦፍፕራ ዝግበር ቃለ-መጠይቕ ንምክያድ ጻውዒት
እቲ አብ ኦፍፕራ ዝካየድ ቃለ-መጠይቕ ብንኡስ 15 መዓልቲ ክተርፎ ከሎ ናይ ቖጾሮ መጸዋዕታ ይበጽሐኩም አድላዪ ኾይኑ እንተድኣ ረኺብዎ ኦፍፕራ ንቃለ-መጠይቕ ንኽይጽውዐኩም’ውን ይኽእል እዩ

  • እዚውን እቲ ኦፊሰር ነቲ ዑቕባ ሕቶኹም ናይ ምቕባል ውሳነ ንምሕላፍ አብ ምድላው እንትደኣ ዝርከብ ኾይኑ (ብዙሕ አያጋጥምን)
  • ካብ ድልየትኹም ወጻኢ ብዝኾነ ምኽንያት ፥ ከቢድ ሕማም ናብቲ ቖጸሮ ምምጻዕ እንትደኣ ዘይከኣልኩም፡፡ ከምዚ ከጋጥም ከሎ እቲ ናይ ሕክምና መረዳእት (justificatifs) ብዝተኽአለ መጠን ብቕልጡፍ ብናይ ሓደራ ደብዳቤ ንኦፍፕራ ክትልእኹ አለኩም ምስ ናይ ትቐባላይ መረጋገጺ ዘለዎ (accusé de réception)

እቲ ዘቕረብኩምዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ እንትደኣ ኦፍፕራ ተቐባሊነት ዘይብሉ እዩ ዝብሎ ኾይኑ ወይ ከዓ እቲ መዝገብ ዝዓጽዮ ኾይኑ (ትሕት ክብል ረኣዩ) ናብቲ ቃለ-መጠይቕ ኣይትጽዉዑን ኢኹም

ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ናብቲ ቖጸሮ እንትደኣ ምምጻዕ ዘይከኣልኩም እሞ ደማይ ምንም ዓይነት መረዳእታ ምኽንያት እንተዘየቕረብኩም ኦፍፕራ እቲ ሕቶኹም ክነጽጎ ወይ ከዓ ብግቡእ ከይኣጽነአ ክዓጽዮ ይኽእል እዩ ፡፡

2. ከይዲ ሚስጥራዊ ቃለ-መጠይቕ
ቃለ-መጠይቕ ምክያድ ብጣዕሚ አገዳሲ እዩ : ዝካየድ ድማ ኣብ ኦፍፕራ ብኦፊሰር ሓለዋ መሰል ኾይኑ ሕቶኩም ዘሕለፍኩምዎ ታሪኩም ሰሚዑ ውሳኔ ዘሕልፍ እዩ ወይ ናይ ምቅባል ወይ ናይ ምንጻግ፣

ናብዚ ቃለ-መጠይቕ ቅድሚ ምምጻእ እንተተኸአለ ብሓገዝ ማሕበር እንተዘይኾይኑ ግን ምስ ማሕዙት ብምኻን ተዳሊኹም ናብ ኦፍፕራ ምኻድ ናይ ግድን እዩ:: እቲ ቃለ-መጠይቕ ብጣዕሚ ወሳናይ እዩ ምክንያቱም ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ኩሉ ዝውሰን፣ ሓለዋ ዑቕባ ከምዘድልየኩም ነቲ ኦፊሰር ክተእምንዎ አለኩም ::

ዝርዝር ታሪኩም ብዝምልከት እቲ ኦፊሰር ብዙሕ ሕቶታት ከቅርበልኩም ይክእል እዩ፣ ዋላ እንተዘይሓተተኩምኳ ባዕልኩም ስለዘሕለፍኩምዎ ታሪክ ሃገርኩም ገዲፍኩም ክትሃድሙ ዘገደደኩም ጸገም ምኽንያት ክተረድኡ ይግባእ (ትሕት ኢሉ ዘሎ ተመልከት)

ናይ መንነት ወረቀት ወይ ፓስፓርት እንተዘይሃብኩም ድማ ዜግነትኩም ንኽተእምኑ ስለ ሃገርኩም ሓደ ሓደ ፍሉጣት ነገራት ምግላጽ ኣገዳሳይ እዩ

ናብ ሃገርኩም ሎሚ እንተተመሊስኩም (ዋላኳ ካብ ትወጹ ነዊሕ ዓመታት ገይርኩም እንተኾነ) አባኩም ክበጽእ ዝክእል ዝትፈርሕዎ ነገር ኣነጺርኩም ከተርድኡ አለኩም :: ብመርሕ ደረጃ አብ መወደእታ « ክፉት » ዝበሃል ናይ መወዳእታ ሕቶ ክቕረበልኩም እዩ፣ እዚውን ካብቲ ዝተዛረብኩምዎ ተወሳካይ ሓሳብ ወይ ከዓ መብርሒ እንተሃለወ ዕዱል ንምሃብ እዩ፣ ስለዚ እትብልዎ ተወሳኪ እንተሃልዩ አብዚ ናይቲ ቃለ-መጠይቕ መወዳእታ እዋን ትዛረቡ ኣለኩም።

እቲ ቃለ-መጠይቕ ዝካየደሉ ቦታ አብ ቤት ጽሕፈት ኦፍፕራ (ወይ ድማ ብፍሉይ ኩነታት ብቴሌ ኮንፈረንስ) ኾይኑ እዞም ዝስዕቡ አብ ዝርከብሉ እዩ።

  • ንስኩም (በዓል ጉዳይ)
  • እቲ ኦፊሰር ሓለዋ ዑቕባ ፣ እቲ ዝበጽሐኩም ታሪኽ ዖታዊ በደል ዝጠመተ እንተድኣ ኾይኑ ተመሳሳላይ ዖታ (ከማኩም) ዘለዎ/ዋ/ ኦፊሰር ከ/ክተ/ዘራርበኩም ምግባር ይካአል እዩ
  • ጠበቓ እንተሓቲትኩም ድማ ሓገዝቲ ማሕበራት ፣ በዚ ሎሚ እዋን ብሓገዝ ክዕጅባ ዝኽእላ ማሕበራት እዘን ዝስዕባ እየን ፥ Ardhis, Anafé, Cimade, Forum réfugiés, Coordination lesbienne en France, CQFD Fierté lesbienne, Ordre de Malte
    ኣብቲ እዋን ቃለ-መጠይቕ እታ ዝተጠቐሰት ማሕበር ትርከብ እንተኾይና 7 መዓልቲ ኣቐዲማ ንኦፍፕራ ክተፍልጥ ኣለዋ (4 መዓልቲ ድማ ንብቁልጡፍ ዝርኤ መዝገብ) ፣
    እቲ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ዝካየደሉ እዋን እቲ ዓጃባይ ንባዕሉ መዘኻኸሪ ነጥብታት ምትሓዝ: አብ መወዳእታ ድማ ሪኢቶ ምሃብ ይኽእል እዩ (ብጉዳያት እቲ ዝቐረበ ናይቲ ሓተታይ ዑቕባ ታሪክ: ናይ ምርድዳእ ጸገም: ናይ ኣስተርጓሚ: ናይ ኹኔታታት አቀራርባ: በቲ ኦፈሰር ከይተጠቀሱ ዝተረፉ ሓሳባት …)
  • ኣስተርጓሚ - ኣብቲ ናይ ኦፍፕራ ቅጥኢ ብዝተጠቐሰ ቋንቋ መሰረት እዩ፣ እቲ ዝቐርበልኩም ኣስተርጓሚ በቲ ናይ ኣደ-ቋንቋኹም ንክኽውን ሕተቱ (ዲያሌክትኹም’ውን ግለጹ) ፣ እዚ ድማ ኣጸቢቅኹም ብዘይትዛረብዎ ቋንቋ በቲ ኦፊሰር ብቐጥታ ሕቶ ንኽይቀርበልኩም ይሕግዝ
    ናይ ኣስተርጓሚ ሓገዝ ብናጻ እዩ ዝውሃበኩም፣ እቲ እትትርኽዎ ታሪኽ ዝበጽሐኩም ዖታዊ በደል ዝጠመተ እንተድኣ ኾይኑ ተመሳሳላይ ዖታ (ከማኩም) ዘለዎ/ዋ/ ኣስተርጓሚ ንኽ(ት)ቐርበልኩም ምሕታት ትኽእሉ ኢኹም
  • አባላት ስድራ ቤትኹም ብመሰረቱ አባላት ስድራ ቤትኹም ብዘይርከብሉ ኢኹም እቲ ቃለ-መጠይቕ ተካይዱ። ኾይኑ ግን እንተድአ ኦፍፕራ አድላዪ መሲሉ ተሰሚዑዎ አባላት ስድራኹም ብዝርከብሉ ተወሳኻይ ቃለ-መጠይቕ ክገብር ይኽእል እዩ‏
መተሓሳሰቢ፦ እቲ ቃለ-መጠይቕ ጸገም እንተደኣ ዘይጋጠመ ይቕዳሕ እዩ (ብድምጺ)፣ እዚ ክንገረኩም ድማ እዩ፣ እዝ ዝተቐድሐ ድማ ንኽትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም፣ ብተወሳኻይ እቲ ቃለ- መጠይቕ በጽሑፍ ተመዝጊቡ ክትሓዝ እዩ (ዘይቕየር) እሞ ምስቱ ውሳነ ሐቢሩ ክስደደልኩም እዩ ::

3. ከይዲን ኣቀራርባን ውሳነ ኦፍፕራ (OFPRA)
ብመርሕ ደረጃ ድሕሪ እቲ ቓል-መጠይቕ ምግባር ኦፍፕራ ነቲ ሕቶ ዑቕባ መልሲ ዕልባት ክህብ ይግብኦ፣ ብተግባር ግን እዚ ገደብ ካብኡ ንላዕሊ ዝወስደሉ ግዜ ኣሎ :: ኣብህጹጽ መስርሕ ውሽጢ ንዘለዉ እቲ ገደብ 15 መዓልቲ እዩ እቲ ናይ ኦፍፕራ ኦፍፊሰር እቲ ዘቕረብኩምዎ ግል-ታሪኽ ምስቲ ኹኔታ ሃገርኩም ሓቢሩ ዝመሳሰል ምዃኑ የረጋግጽ፣ ብቀፃላይ እቲ ናይ ዑቕባ ሕቶኩም ብምጽናእ በቲ ውዕሊ (ስምምዕ) ኮንቬክሽን ጄኔቫ - ዓንቀጽ 1 ን 2 (ናይ 10 ዓመት ካርድ) ወይከዓ ብመለስተኛ ሓለዋ መሰል ዓንቀጽ L. 712-1 ናይ Ceseda (ናይ 4 ዓመት ካርድ) ዝትሓንጸጹ መሰረት ግቡእ እንተሃልዩኩም የጽንዕ፣ ናይ ምንጻግ ኣሉታዊ (négative) ውሳነ ክዋሃብ ከሎ ግን እቲ ምኽንያት ሃቢሩ ክቐርብ አለዎ፣ አዚ’ውን ኦፍፕራ ስለምንታይ መሰል ሓለዋ ዕቐባ ክፈቅድ ከምዘይኽአለ ዝገልፅ እዩ

እቲ ውሳነ ብዝተመዘገበ ናይ ሓደራ ደብዳቤ ምስ መረጋገጺ ተቐባላይ ክስደደለኩም እዩ

ናይ ዑቕብ ሕቶኹም እንተ ተነጺጉ እታ ናይ ምንጻግ ደብዳበ ዝተቐበልኩምላ ዕለት ጠቓሚት እያ ምኽንያቱ ናይ ይግባኝ ሕቶ ንምቕራብ ዝትኸእልሉ ዘለኩም ግዜ ካብዛ እለት እዚኣ ጀሚሩ ብዘሎ ሐደ ወርሒ ጥራሕ እዩ (ሰነድ n°5)፣ ስለዚ ኣብዚ ግዜ ውሽጢ ናይ አድራሻ ለውጢ እንተገይርኩም ንኦፍፕራ ብቅልጡፍ ተፍልጡ አለኩም።

[retour en haut de page]

Dernier ajout : jeudi 21 mars 2019, 10:04
URL de cette page : www.gisti.org/article5447